Fana: At a Speed of Life!

ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝተሰናድኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንዝነብሩ ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝቐረበ ፃውዒት ስዒቡ ንዝመፅኡ ወገናት ዝኸውን ሓሙሽተ ምድላዋት ከምዝተሰናድኡ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘቕረብዎ ፃውዒት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ከምዘለዉ ዝተጣየሸ ዓብዪ ኮሚቴ ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝተሰናድኡ ገሊፁ።

ፈላማይ ናይ ኢትዮጵያ ሰሙን እንትኸውን፥ ባህልን ክብሪን ኢትዮጵያ ንክፈልጡ ዘኽእል ምድላው ኢዩ ተባሂሉ።

ብብሄር ብሄረሰባት ዝተሰናድኡ ምግብታት ክቐርቡ ኢዮም።

ካልኣይ፥ ውፅኢታትን ፍሪያትን ኢደ ጥበብ ዝቐርቡሉ ምዕራፍ ኢዩ።

ሳልሳይ ድምፅታትን ሳዕስዒታትን ኢትዮጵያ ዝ፪ቀርበሉ ምድላው እንትኸውን፥  ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ሙዚቃ ንህዝቢ ዝቐርብሉ ምድላው ከምዝህሊ ተገሊፁ።

መበል ራብዓይ፥ ባህላዊ ኣልባሳት ብሄር ብሄረሰባት ዝቐርቡሉ ምስንድእ ኢዩ።

ሓምሻይ ድማ፥ ክልላት ዘለውዎምን ይውክሉና ኢዮም ዝብልዎምን መስሕባት ቱሪዝም ዘቕርብሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.