Fana: At a Speed of Life!

ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ምሁራን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሰሶ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ምሁራን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሰሶ ተኻይዱ።
እቲ መድረኽ ዘተ ዝተዳለወ “ግደ ምሁራን ንዕውትነት ብሄራዊ ዘተ”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ።
ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ሚኒስትር ዴኤታ ህንፀት ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ኣይተ ታየ ደንድአ እቲ መድረኽ ዘተ እንትኸፍቱ ኣብ ዘገበርዎ መደረ፥ ሕንቅሕንቅሊተይ ብዝመስል መልክዑ ሃገርና ዝገጠማ ፈተና መፍትሒኡ ዘተ ጥራሕ እዩ ኢሎም።
ፖለቲካ ኢትዮጵያ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ እንተኾነ’ኳ ከምዕድሙኡ ዝበቕዕ ከምዘይኮነ ብምዝኽኻር፥ ከም ምኽንያት ዘልዕልዎ ድማ ትካላት ዘይምጥንኻርን ኣብ ሞንጎ ሊሂቃን እዛ ሃገር መሰረታዊ ምርድዳእ ዘይምህላው እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ሃገራዊ ዘተ መፍትሒ ከምዝህብ ትፅቢት ይግበረሉ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ ነዚ እውን ምሁራን እጃሞም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣመላኺቶም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳ ዶክተር ከማል ኣብዱራሂም፥ ብዘተ ሰለም ዝዓሰላ ሃገር ንወለዶ ክንመሓላልፍ ይግባእ ኢሎም።
ዕላማ እቲ ዘተ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዕውት ንምግባር ንክሕግዝ ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ማሕበራዊ ሓላፍቱ ንምውፃእ ተመዛበልቲ ካብ ምሕጋዝ ጀሚሩ ንምጥንኻር ሰላም ግድኡ እናተበርከተ ከምዝርከብን እዚ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቅፅልን ኣፍሊጦም፡፡
ኣተሓባባራይነት ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳን ሚኒስቴር ሰላምን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ምሁራን እቲ ዩኒቨርስቲ፣ ተምሃሮን ካልኦት ኣካላትን እናተሳተፉ ምዃኖም ግዚኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን
ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ
ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.