Fana: At a Speed of Life!

ንዝኽሪ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዝተሰርሐ ሓወልቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዋና መካየዲ ስራሕ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ዝተሰርሐ ዝኽሪ ሓወልቲ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብ ስነ- ስርዓት ምረቓ እቲ ሓወልቲ፥ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶክተር ኢንጅነር አብርሃም በላይን ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ህዝባዊ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰ ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሴን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ዝዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ስድራ ቤት ኢንጂነር ስመኘው በቀለን ፈተውቶምን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ እቲ ሓወልቲ፥ ብመሰረት እምነት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ስነ-ስርዓት ፀሎተ ፍትሓት ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምምራቕ ሓወልቲ ዝተረኸቡ ዝተፋላለዩ ትካላት፣ ስድራ ቤትን ፈተውቲን ሕቑፊ ዕምበባ ምቕማጦም ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቓዊ ጎጃምን ኣቡነ ዮሴፍ፥ ንሃገር ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ሰባት ብኣካል ዋላ እንተሓለፉ ስረሖም ግን ህያው ታሪኽ ኮይኑ እናተዘከረ ከምዝነብር ገሊፆም።

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትለዓል ስም ኢንጅነር ስመኘው እውን ኩሉ ግዘ ለምሊሙ ከምዝነብር ዝገለፁ ኣቡነ ዮሴፍ፥ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንዝቕፅል ወለዶ ህያው ኮይኖም ከምዝነብሩ እውን ኣብሆም።

ኢንጅነር ስመኘው በቀለ፥ 19 ሓምለ 2010 ንጉሆ ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ኣብ ውሽጢ መኪነኦም ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ይዝከር።

እቲ ሓወልቲ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.