Fana: At a Speed of Life!

ንጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እናተገበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ምድላዋት ዝተመልከተ ገምጋም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዝካየድ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እናተገበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ምድላዋት ዝተመልከተ ገምጋም ተኻይዱ።

መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 42 ጉባኤ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 15 ክሳብ 19 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ ብዕዉት ኩነታት ንምክያድ 30 ትካላት ብኣባልን ዝሓዘ ብሄራዊ ኮሚቴ ምድላው ተጣይሹ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን÷ “እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ፈታኒ ኩነታ እናተዋፀአት ኣብ ትርከበሉ እዋን ዝካየድ ብምዃኑ እወንታዊ ምስሊ ንምህናፅ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ” ኢሎም።

ጉባኤ እቲ ሕብረት ዓሚ ውፅታዊ ብዝኾነ መልክዑ ምክያድ ከምዝተኽኣለ ዝሓበሩ ኣይተ ደመቀ÷ ዝነበሩ ጉድለታት ብምምሕያሽ ኣብዚ ዓመት ብዝበለፀ ምትእንጋድ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዕዉት ንኽኸውን መዳርግቲ ትካላት ብዝተናበበ መልክዑ ምውዳድ ብምፍጣር ንኽሰርሓ ምሕባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.