Fana: At a Speed of Life!

ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሓልፍ ዝነበረ ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወረዳ በየዳ ናብ ወረዳ ስሃላ ብምቅብባል ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ክክበፅሕ ዝነበረ 1 ሚሊየን 235 ሺሕ ብር ከምዝተትሓዘ ዋና ኣዛዚ ክፍለ ጦር ተከዘ ሳልሳይ ሻለቃ ኢንስፔክተር ጀጃው ፈረደ ገሊፆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ሸሊኾም ዝኣተዉ ብምስንዳእ ገንዘብን ናውቲን ክሳገረሉ ይድለ እምበር ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ሕብረተሰብን ጥቡቕ ክትትል ብምግባር ትልሙ ከምዝፈሸለ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ክጥቀመሉ ዝነበረ 600 ሊትሮ ኣረቂ፣ 10 ጣቓ ጀዲድ፣ 15 ሺሕን 9 ሶላር መብራህቲን ልዕሊ ሓሙሽተ ኩንታል ጨውን ካልኦት መሰል ናውቲን ምስ ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ወረዳ በየዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.