Fana: At a Speed of Life!

ንጥምር ጦር እናተገበረ ዘርከብ ሓገዝ ነቲ ሰራዊት ዓቕሚን ብርተዐን ፈጢሩ ኢዩ – ሜ/ ጄነራል ጥሩዬ ኣሰፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግምባር ወሎ ንዝርከብ ጥምር ጦር እናተገበረ ዘርከብ ሓገዝ ነቲ ሰራዊት ዓቕሚን ብርተዐን ከምዝፈጠረሉ ሓላፊት ሎጂስቲክስ ግምባር ወሎ ሜጀር ጄነራል ጥሩዬ ኣሰፌ ገሊፀን።

ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ወሎ፥ ኣብ ግምባር እናተቓለሰ ንዝርከብ ጥምር ጦር ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር 22 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ዓይነት ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ኣብ ትሕቲ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝርከባ 20 ወረዳታትን ትሽዓተ ምምሕዳር ከተማታትን ዝተኣከበ እንትኸውን፥ እቲ ዞባ ዝኣከቦ ሓገዝ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ወልዲያ ተረኺ ኣረኪቡ፡፡

ሓላፊት ሎጂስቲክስ ግምባር ወሎ ሜጀር ጄነራል ጥሩዬ ኣሰፌ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፀኦ፥ ኣብቲ ግምባር ንዝርከብ ጥምር ጦር እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ነቲ ሰራዊት ዓብዪ ዓቕሚን ብርተዐን ፈጢሩሉ፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ግምባር ንዝተሰለፈ ሰራዊት እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እውን ፀዊዐን፡፡

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.