Fana: At a Speed of Life!

ንፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

መበል 19 ጉባኤ ሚኒስትራት ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ፥ ፀገማት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዕድላት ምጥቃም፣ ምትሕብባር ምጉልባት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ሚኒስትራት ሓለዋ ከባቢ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ሓለዋ ከባቢ ዓለም ለኸ ትካላት ከምኡውን ሞያዊያን እቲ ዓውዲ ተረኺቦም።

ኣይተ ደመቀ፥ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ኣፍሪካ ምሽርሻር መሬት፣ ድርቂ፣ ውሕጅን ሓደጋ በረኻነትን ኣስዒቡ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ንፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.