Fana: At a Speed of Life!

ንፈተናታት እንተይተምበርከኽና ዝጀመርነናዮ ጉዕዞ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ብትግሃት ምግልጋልና ክንቅፅል ኢና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንፈተናታት እንተይተምበርከኽና ዝጀመርነናዮ ጉዕዞ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ብትግሃት ምግልጋልና ክንቅፅል ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ “ዕዉት ጉዕዞ ለውጢ ዝተጀመረሉ 6ይ ዓመትን መሰረት ኢትዮጵያዊነት ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ መሰረት ህንፀት ዝተነበረሉ መበል 13 ዓመት እንኳዕ ኣብፀሐኩም” ኢለን፡፡

ብመሃንዲስ ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ሓይሊ ለውጢ ኣብ ብዙሕ ውሽጣዊን ደጋዊን ፈተና ኮይኑ ብዙሓት ዓወታት እናተጎናፀፈ ይርከብ ኢለን።

ካብ ሞንጎ እቶም ዓወታት ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ምብፅሑ፣ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ለቢሳ ካብ ስርናይ ምምፃእ ናብ ምስዳድ ዝሰጋገረትሉ፣ ህንፀት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተዛዚሙ ዝተመረቐሉ ከምዝርከቡዎ ገሊፀን፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ኣዲስ ኣበባ ትኹረት ረኺባ ብዙሓት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተሃኒፆም ዓለም ለኸ ማእኸል ስሕበት ምዃን ዝጀመረትሉን ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ እውን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንገሰትሉ ኢዩ” ኢለን፡፡

ለፈተናዎች ሳንንበረከክ ከችግሮች ባሻገር የበለጸገችዋ ኢትዮጵያን ለመገንባት ተደምረን የጀመርነውን ጉዞ ዳር ለማድረስ በትጋት ማገልገላችንን እንቀጥላለን!

ንፈተናታት እንተይተምበርከኽና ካብ ፀገማት ሓሊፉ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝጀመርነናዮ ጉዕዞ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ብትግሃት ምግልጋልና ክንቅፅል ኢና” ኢለን እተን ከንቲባ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.