Fana: At a Speed of Life!

ን17 መዓልቲ ኣብ መላእ ትግራይ እትዘውር ሸግ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተወሊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ን17 መዓልቲ ኣብ መላእ ትግራይ እትዘውርን ካብ ደደቢት ናብ ሰርዶ ዓፋር ናይ እግሪ ጉዕዞ ትገብርን ሸግ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ተወሊዓ።

እታ ሽግ ደደቢት፥ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ዝርከብ መበል 45 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ከምዝተወለዐት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሰረት እምነ-ኩርናዕ ፅንዓትን ሰዓራይነትን ወያነ ዝኾነትን ሽግ ሓርነት ዝተወለዐላን በረኻ ደደቢት ሎሚ መዓልቲ ጉዕዞ ከምትጅምር ዝተገለፀ እታ ሽግ ደደቢት፥ ን17 መዓልቲ ኣብ 50 ከባቢታት ትግራይ ክትዘዉር ኢያ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ድማ ዝተፈላለዩ መናእሰይ ካብ ደደቢት ተበጊሶም ናብ ሰርዶ ዓፋር ናይ እግሪ ጉዕዞ ንምግባር ብርክክብ ሕድሪ ባንዴራ ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ርክክብ ድማ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ነባራት ተጋደልቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን መናእሰይን ተረኺቦም ኢዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ ኽሳድ ጋባ ንድምቀትን ዝኽሪን በዓል 11 ተባሂሉ ብምስሊ 11 ዝተሃነፀ ሓወልቲ፥ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ብነባራት ተጋደልቲ ተመሪቑ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.