Fana: At a Speed of Life!

ን500 ሺሕ ሰባት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ማይን ንፅህና ከባቢ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩ ኤስ ኤ ኣይ ዲ) ኣብ ኢትዮጵያ ን500 ሺሕ ሰባት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ማይን ንፅህና ከባቢ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት÷ ን500 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቶ ግልጋሎት ቀረብ ማይ ከምዝገብር ተሓቢሩ።

በዚ ድማ 120 ኣብ ማይ፣ ሳኒቴሽንን ንፅህናን ዝሰርሑ ትካላት ምጥንኻር ኣብ ትግበራ እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተትሓዙ ሸቶታት ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጂን ኣምባሳደር ኣስፋው ዴንጋሞ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎታት ማጥን ንፅህናን ንምስላጥ መንግስት ዝተፈላለዩ ተግባራት እናወገነ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ብዝተወገኑ ስራሕቲ ዝተመዘገበ ውፅኢት የሃሉ እምበር ዝተረፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ ፀሪሖም።

ሎሚ ዕላዊ ዝኾነ ፕሮጀክት ንተረባሕነት ዜጋታት ልዑል ሓገዝ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብግደኦም÷ “ንሰባት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ተግባራት ብምስታፍና ዝለዓለ ኩርዓት ይስመዐና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.