Fana: At a Speed of Life!

አገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ስነ-ምግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 75 ሰራሕተኛታቱ ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)አገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ስነ-ምግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 75 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታቱን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን እቲ ትካል ኣይተ ህብረወርቅ ይመኑ፥ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐረቡ 97 ጥቆማታትን 163 ስምዕታታትን ተቐቢሉ ስራሕቲ ምፅራይ ምስርሑ ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ጥሕሰት ስነ ምግባር ዝፈፀሙ 75 ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ስጉምቲታት ምውሳዱን ዝተረፉ 87 ዝኾኑ ጉዳዮም ኣብ ምርኣይ ከይዲ ስነ-ምግባር ከምዝርከቡን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ክኢሉ ዘሎ፥ ብምሰረት መተሓዳደሪ ደምቢ ስምምዕነት ሕብረትን ማኔጅመንትን እቲ ትካል ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ቅፅዓት ገንዘብ፣ ካብ ሓላፍነት ምልዓልን ካብ ስራሕ ምስንባትን ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.