Fana: At a Speed of Life!

ኢራንን እስራኤልን ካብ ጎንፂ ንኽዕቀባ ውሕመ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኢራንን እስራኤልን ናብ ኲናት ክኣትዋ ይኽእላ ኢየን ብዝብል ስግኣት፤ ንባዕለን ንኽቆፃፀራ ሓቲቱ፡፡

ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ትማሊ ኣብ ዘካየዱዎ ህፁፅ ኣኼባ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ደብዳብ ኣየር ስዒቡ እቲ ዞባ ናብ ዝኸፍአ ወጥሪ ዘእቱ ተግባር ከይፍፀም ኣጠንቂቖም፡፡

ይኹን እምበር እተን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ኢራንን እስራኤል ነንባዕለን ጠንቂ ሰላም ብምባል ሕድሕደን ኣብ ምውንጅጃል ትኹረት ከምዝገበራ እተሓበረ ይርከብ፡፡

“ሕዚ እዋኑ ጎንፂ ናይ ምርጋብ ግዘ ኢዩ” ዝበሉ ጉቴሬዝ÷ “እቲ ቀጠና ይኹን ዓለም ተወሳኺ ኲናት ክሽከሙ ኣይኽእሉን” ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ጋዛ ዘሎ ኲናት፤ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኣብ ሞንጎ እስራኤል መሓዙት ኢራን ሂዝቦላህ፣ ሃማስ፣ ሁቲን  እና ጎንፂ ቀስቂሱ ከምዝቐስቀሰ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፀሓፊ÷ ቀዳም ድማ ኢራን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ድሮናትን ሚሳኤላትን ናብ እስራኤል ምውንጫፋ ኣልዒሎም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 ሚያዚያ ልዑል ወጥሪ ንዘንገሰን ኣብ ሶሪያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢራን ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ እስራኤል ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ከምዘይወሰደት ተሓቢሩ፡፡

ምክትል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውሕመ ሮበርት ዉድ ብግደኦም 15ቲአን ኣባል ሃገራት ብዘየማትእ ኩነታት ኢራን ንዝፈፀመቶ መቃዕቲ ንኽኹንና ሓቲቶም፡፡

“ኣሜሪካ ኢራን ተሓታቲት ንምግባር ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ተወሳኺ ስጉምቲታት ክትምርምር ኢያ” ምባሎም እውን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.