Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ዞባዊ ማእኸል ጋዝ ክትሃንፅ ከምትደሊ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ዞባዊ ማእኸል ጋዝ ክትሃንፅ ከምትደሊ ኣፍሊጣ።

ንምክትል ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሞሃመድ ሞክበርን ዝፀርሐ ፀብፃብ ፋርስ ኒውስ÷ ቴህራን ‘ድሕንነት ሓይሊ ንምርግጋፅ’ ኣብ ሻንጋይ ትካል ዞባዊ ማእኸል ምትሕብባር ንምህናፅ ሓሳብ ከምዘለዋ ምግላፃ ፅሒፉ።

ኢራን ምስ ኣባል ሃገራት ብምዃን ዞባዊ ማእኸል ጋዝ ብምጥያሽ ከባቢያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ሓይሊ ዘለዋ ተሳትፎ ንምዕባይን ከምትደሊ እውን ገሊፆም።

ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ መራሕቲ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ “ስጉምቲ ቴህራን ኣባል ሃገራት ልውውጥ ንግዲ ሓይሊ ንኽገብራ ዘኽእለን ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ምስቲ ጉዳይ ተተሓሂዙ÷ ቴህራን ድሌት ንዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ፈንድ ንምፍልፋል ሓሳብ ከምዘለዋ እውን ኣብሪሆም።

ሃገሮም ግልጋሎት ምህንድስና ንምቕራብን ኣብ ዓውዲታት ነዳዲ፣ ጋዝን ፔትሮኬሚካልን ዝውዕሉ መሳርሒታት ንምስንዳእ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1990ታት ዝተመሰረተ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ÷ ኢራን ሓዊሱ ቻይና፣ ካዛክስታን፣ ኪርጊስታን፣ ሩሲያ፣ ህንድ፣ ፓኪስታን፣ ኡዝቤኪስታንን ታጂኪስታንን ብኣባልነት ዘካተተን ካልኦት ተወሰኽቲ ሃገራት ብተዓዘብቲን ብፍሉይ ኣባልነትን ዝሓቖፈ እኩብ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.