Fana: At a Speed of Life!

ኢትየጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ግድብ ተተሓሒዙ ኣብ ዝገበረኦም ድርድር ተወከልቲ ግብፂ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታታት እናቐረቡ ውፅኢት ንኽስእን ንምግባር ተዳሊዮም ይመፅኡ ከምዝነበሩ – ኣይተ ገዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትየጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ምስ ግድብ ተተሓሒዙ ኣብ ዝገበረኦም ድርድር ተወከልቲ ግብፂ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታታት እናቐረቡ ውፅኢት ንኽስእን ንምግባር ተዳሊዮም ይመፅኡ ከምዝነበሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ምስ ኣልጀዚራ ፈነወ ቋንቋ ዓረቢኛ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ ግብፂ ናይ ባዕላ ድሌት ጥራሕ ፅዕንቶ ንምሕዳር ትሰርሕ ከምዝነበረት ኣገንዚቦም።

ግብፂ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ጦር ሰፈር ንምጥያሽን ድሕንነት ኢትዮጵያ ንምፍትታን ትገብ ፃዕሪ ብዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ ምላሽ ድማ፥ ግብፂ ዝተፈላለዩ ፈተነታት እናገበረት ከምዝኾነት፤ ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዝጠበቐ ርክብ ስለዘለዋ ትገብሮ ፈተነ ኣይሳኻዕን ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ርክበን ብምጥንኻር ናብ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሰሳርን ውህደትን እናምርሓ ስለዝኾና፥ ብመንፅር እዚ እንትረአ እተን ሃገራት ንግብፂ ብምሕጋዝ ኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ክንቀሳቐሳ ኢየን ዝብል እምነት ከምዘይብሎም እውን ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣናተጠናኸረ ከምዝመፅአ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ከባቢታት ዶብ ዝፍጠሩ ዝተወሰኑ ፀገማት ንነዊሕ እዋን ዝፅንሐ ስለዝኾነን እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕን ክልቲአን ሃገራት ተሓባቢረን እናሰርሓ ከምዝኾና ኣብሪሆም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ ሃላይብ ትሪያንግል ተባሂሉ ዝፍለጥ መሬት ሱዳን ግብፂ ብወራር ምሓዛ ዝምልከት ፀብፃብ እንተይሰርሓ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ጉዳይ ዶብ ከም ዓቢዪ ዛዕባ ኣልዒለን ሰፊሕ ሽፋን ምሃበን ዘለወን ተኣማኒነት ናብ ትዕዝብቲ ከምዘእትወን እውን ገሊፆም።

ግብፃውያን ግድብ ህዳሰ ምስ እስራኤል ንምርኻብ ዝገብሩዎ ፈተነ ስሕተት ጥራሕ ዘይኮነስ ገበን ከምዝኾነ እውን ኣይተ ገዱ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.