Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተዛቲየን።

ብዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ ፍራንሷ ኤድሊ ፎሎት ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ስራሕ ዑደት ኣሳሊጡ፡፡

ፍራንሷ ኤድሊ ፎሎት÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2010 ዝተፈረመ ስምምዕነት ትራንስፖርት ኣየር ክልቲአን ሃገራት ብመፅናዕቲ እዋኑ ኣብ ዘማእኸሉ ዓለም ለኸ ኣሰራርሓታት ብምሕዳስ ምትሕብባሮም ዳግም ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዎም ሓቢሮም፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2010 ክሳብ 2015 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ ከተማ ባንጊ በረራ እናካየደ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡፡

ይኹን እምበር ካብ 2015 ጀሚሩ እቲ መገዲ ኣየር ባንጊ ዝገብሮ በረራ ተቛሪፁ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ኣብዚ ዓመት መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ በረርኡ ከምዝቕፅል ምግላፁ ሓበሬታ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.