Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ተስማዕሚዐን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣቦ መንበር ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ኣብ ኬኒያ ናይሮቢ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቀጣናዊ ጉዳያት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ መንጎአ ከልቲአን ሃገራት ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ተስማዕሚዖም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክሊ ዝተሰማምዕሎም ዛዕባታት ድማ መግለፂ ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ዘጓኑፅወን ዛዕባታት ዘቀራርብወን ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዝሰልጠነ ኣገባብ ብዘተ ብምፍታሕ ርክብ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ክልቲአን ሃገራት ናብ ጎንፂ ከእትዉ ካብ ዝኽእሉ ጉዳያት ምዕቃብ ከምዘድሊ እውን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ።

እቶም ፀገማት ኮሚቴ ብምጥያሽን ዓለም ለኸ መትከላት ብዘኽበረ መገዲን ብዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ምስምዕምዖም ሓቢሮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ውጥጥ ኣብ ዝፈጠሩ ጉዳያት በዕምቆት ምዝታዮም ብምግላፅ፥ እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ምስ ሓው ህዝቢ ሱዳን ብምትሕብባር  ንምልማዕን ብሰላም ንምንባርን ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ ገሊፆም።

ሌተናል ጀኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን ብግደኦም፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ከም ሓው ብምዝታይ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሎም።

ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ መሰረት ዘለዎ ዝፀንሐ ሕውነት ዘለወን ከምዝኾና እውን ሓቢሮም።

ካብ ጎንፂ ምንም ትርፊ የለን ዝበሉ ሌተናል ጀኔራል ኣብዱልፈታህ ኣል ቡርሃን፥ ኣብ ቀፃሊ ንክልቲኦም ህዝብታት ተረባሕነትን ሓድነትን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ግድብ ህዳሰን ካልኦት ጉዳያት ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ መንፈስ ንምፍታሕን ቆርፀኝነትና ብተግባር ንምርኣየን ተስማዕሚዕና ኣለና አውን ኢሎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.