Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባህሬንን ንግዳዊ ምትሕብባረን ንዕባይ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባህሬንን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ቱሪዝምብ ዘለወን ምትሕብባር ንዕባይ ተስማዕሚዐን።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ኣምባሳደር ሽፈራው ገነቴ ምስ ሚኒስትር ሕርሻን ቤት ማዘጋጃን ዋኢል ቢን ናስር ኣል ሙባረክ (ኢ/ር) ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ብግዳዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት መኺሮም፡፡

ብፍላይ ፍርያታት ሕርሻን ውፀኢታት እንስሳን ኢትዮጵያ ናብ ባህሬን ምልኣኽ ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ብዕቱብ ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ሽፈራው÷ ኢትዮጵያ ቡን ዝርከበላ ካብ ምዃና ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ናይ ቅብኣት ፍርያታት፣ ቅመማ ቕመምን ካልኦት ፍርያታት ሕርሻን ዝርከበላ ሃገር ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ሕርሻ፣ ውፅኢታት እንስሳ፣ ቅመማ ቕመማትን ካልኦት ፍርያታትን ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን ከምትልእኽ እውን ፀሪሖም፡፡

እቶም ሚኒስትር ብግደኦም÷ ባህሬን ፍርያታት ሕርሻን ውፀኢታት እንስሳን ኢትዮጵያ ዘፋልጡ መድረኻትን ዓውደ መፅናዕቲታትን ንምስንዳእ ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም፡፡

እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ንግዲን ቱሪዝምን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምዕባይ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.