Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዛዕባ ምሕላው ፅሬት ንምቅልጣፍ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለም ዛዕባ ሓለዋ ፅሬት ማይ፣ ከባቢን ውልቀ ፅሬትን (ዋሽ) ንምቅልጣፍ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ገንዘብ ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ጎድና ጎድኒ ጉባኤ መራሕቲ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ዋሽ) ኣብ ዛዕባ ፅሬት ማይ፣ ከባቢን ውልቀ ፅሬትን (ዋሽ) ኢትዮጵያ ጠሚቱ ምኽክር ገይሩ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ባንኪ ዓለም ቪክቶሪያ ክዋክዋን ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሺዴን ዝተመርሐ እቲ ልዝብ÷ ክልቲኦም ወገናት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ፖርትፎሊዮ ማይ ዘለዉ ከይዲ ተግባራት ንኽግምገሙ ዕድል ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ።

ሸቶ እቲ ዘተ ድማ ኣብ እዋን ጉባኤ ኣመራርሓ (ዋሽ) ዝተለዓሉ ሓሳባት ኣብ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ናብ ዝኾነ ተግባር ንምትርጓም ዝዓለመ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪን ገፀ ምድሪን ብምኽዛንን ብምምሕዳርን ኣብ ግልጋሎት ሓለዋ ንፅህና ብብርኪ ሃገር ልዑል ዕቤት ተመዝግብ እምበር ሕዚ እውን ብሚሊየን ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን እዞም ወሰንቲ ግልጋሎታት ኣይረኽቡን ተባሂሉ።

እቲ ናይ ተበፃሕነት ፀገም ድሕንነት ንምንካይ ዝግበር ፃዕሪ ዘተዓናቕፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብፍላይ ብባንኪ ዓለም ዝድገፉ ፕሮጀክታት ተበፃሕነት ግልጋሎት ሓለዋ ንፅህና ኣብ ዘዕብዩ፣ ሓደጋታት ክሌማዊ ለውጢ ምፅዋርን ስርዓታት ሓለዋ ንፅህና ዘላቕነት ንምዕባይ ብምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.