Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን አሜሪካን ኣብ ዓውዲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2016፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኧርቪን ማሲንጋ ተዛሪዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኢትዮጵያን አሜሪካን ኣብ ዓውዲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለወን ምትሕብባር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ጠሚቶም ተመያይጦም።

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ርን እቶም ኣምባሳደርን ኣብ ኣሜሪካ ንክልተ ሳምንታት ስልጠና ኣመራርሓ ወሲዶም ዝተመለሱ ፕሬዚዳንታት ም/ፕሬዚዳንትን 25 ዩኒቨርሲቲታት ብዛዕባ ዝነበሮም ፃንሒት እውን ዘቲዮም፡፡

ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብሓባር እናርሓ ምፅነሐን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.