Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ካሜሩን ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5ሕምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካሜሩን ሌጄዩን ምቤላ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ፅባሕ ምክያድ ቅድሚ ዝጅምር መበል 43 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ክልተኣዊ፣ ኣህጉራዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ጉዳያት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ትኹረት ብምግባር ተመያየጦም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ነዊሕ ግዘ ዝፀንሐ ዲፕሎማያዊ ርክብ ንምጥንኻርን ፖለቲካዊ ዝርርበን ክቕፅል ንምግባር ከምዝተስማዕምዑን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.