Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ዘለወን ዓብዪነር ታሪኻዊን ርክብ ኢሉ እውን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኬንያ ኣብ ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ኣብ ስቴት ሃውስ ኬንያ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ክልቲኦም መራሕቲን ጉጅለ ልኡኻቶምን ኣብ ክልታኣዊ፣ ዞባዊን በዓል ብዙሕ ወገን ጉዳያትን እናገበሩዎ ዝርከቡ ጉሉህ ርክባትን ዘተታትን ጅማሮ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዓሚቕን ታሪኻዊን ርክብ ኢሉ እውን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብምዝኽኻር እዚ ብቖራፅነት ምጥንኻር ከምዝግባእ ተስማዕሚዖም።

እቲ ዘተ ኣብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ወሳኒ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ብሩህ መፃኢ ዘመላኸተ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.