Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኮንጎ ሪፐብሊክን ትራንስፖርት ኣየር ንምቅልጣፍ ዝዓለመ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያን ትራንስፖርት ኣየር ኮንጎ ሪፐብሊክን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ጌታቸው መንግስቴ ኣብቲ እዋን ስነ-ስርዓት ፊርማ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ስምምዕነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኮንጎ ሪፐብሊክ ዝገብሮ በረራ ዕዉት ኣብ ምግባር ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡

ከምኡ እውን ናብ ኮንጎ ሪፐብሊክ ዝግበሩ ቁፅሪ በረራታት ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ስምምዕነት ጠለብ ትራንስፖርት ኣየር ንምምላእን ንመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ ዕዳጋ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.