Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን መገዲ ፓሎች – ማቲያንግ – ማይውት – ፓጋክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን መገዲ ፓሎች – ማቲያንግ – ማይውት – ፓጋክ ንምህናፅ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን።

እቲ መገዲ፥ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምስ ሰሜን መብራቕ ደቡብ ሱዳን ዘራኽብ  ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ስነ ስርዓት መንባር ክታም ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማርዲያት ተረኺቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ገንዘብ ደቡብ ሱዳን ዴር ቶንግ ንጎር (ዶ/ር) ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ፕሬዚዳንት ሳልቫኪር፥ “ተስፋና ባዕልትና ንባዕልትና ብምሕግጋዝ ብሓባር ምንቅስቓስ ኢዩ፤ ህዝብና ምርኣይ ዝደልዮ ድማ ነዚ ከምዚ ዝበለ ፕሮጀክት ኢዩ” ኢሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ እቲ መገዲ ኣብ ምትእስሳር ንግዲ ክልቲአን ሃገራትን ሰብ ስራሕ ምፍልላይ ዶብ ብምትራፍ ሕውነታዊ ክልቲኦም ህዝብታት ብዝበለፀ ዘቀራርብን ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.