Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ምሕዝነተን ኣጠናኺረን ክቕፅላ ኢየን – ኣይተ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ምሕዝነተን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ እዚ ዝበሉ ኣብ መዛዘሚ ናኣባላት እቲ ባይቶ ዝተውሃበ ስልጠና ኢዩ፡፡

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝርከብን ኣብ ለውጢ ኣተሓሳስባ ስልጠና ብመሃብ ዝፍለጥን ኣይ ዋይ ኤፍ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል፥ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያ ስልጠና ሂቡዎም።

ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ኢኮኖሚን ዝተፈላለዩ ዘፈራትን ብምትሕበባር እናሰርሓ ምፅነሐን ኣይተ ታገሰ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ለውጢ ኣተሓሳስባ ትኹረት ዝገበረን ኣይ ዋይ ኤፍ ዝተብሃለ ትካልን ዝሰርሖ ስራሕ “ኣተሓሳስባ ይከኣል ኢዩ ንምድንፋዕ” ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያን ኮሪያን ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ተቐራሪበን ክሰርሓ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

መስራቲ ኣይ ዋይ ኤፍን ንኣባላት እተ ቤት ምኽሪ ስልጠና ዝሃቡን ዶክተር ፓርክ፥ እቲ ስልጠና ንምስፋሕን ኣብ ኢትዮጵያ ትኹረት ብምግባር ንምስራሕ ዘለዎም ድሌት ገሊፆም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ስልጠና ትኹረት ሂቡ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ንምቅርራብ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ምሕታቶም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.