Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጋናን ብመሰረት ፓን አፍሪካኒዝም ፅኑዕ ሕውነት ምፍጣር ክኢለን ኢየን- ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጋናን ብመሰረት ፓን አፍሪካኒዝም ፅኑዕ ሕውነት ምፍጣር ክኢለን ኢየን ክብሉ ሚኒስትር ዕደና ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ብኤምባሲ ጋና ኣብ ዝተሰናደአ ምስዮት ሕውነት ኢትዮ-ጋና ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ምስ ጋና ብምዃን ሕብረት ኣፍሪካ ንክጣየሽ ኣብ ዘኽኣለ ፓን ኣፍሪካኒዝም መበገሲ ብምግባር ዝበለፀ ክልቲኣዊ ርክብ ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ኣብ ኣፍሪካዊ ዛዕባታት ብቕርበትን ብሓባርን ንምስራሕ ዘኽኣለ ኢዩ ኢሎም።

ንነፃነትን ምጥንኻርን ሕብረት ኣፍሪካ ግልፂ ኣስተዋፅኦምብርካተን እውን ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ጋና ኣብ ኢትዮጵያ ኣሟ ቹም ብግደኦም፥ እተን ሃገራት ኣብ ኣፍሪካ ናፃን ዝተረጋገዐን ስርዓተ መንግስቲ ካብ ዘለወን ሃገራት ብቐዳምነት ዝፅርሓ ከምዝኾና ገሊፆም።

ጋና ከም ኢትየጵያ በዓልቲ ዋና ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ኣብ ስርዓት ጥዕና፣ ምዕባለ ኢኮኖሚን ሰብኣዊ ልምዓትን እወንታዊ ውፅኢታት ተመዝግብ ከምዘላ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.