Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጣሊያንን ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ኣብ ዲጂታላይዜሽን ንሓራዊ ተረባሕነት ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌስ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፅሬት እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ምሽ ጣሊያን ብምትሕብባርን ብቖራፅነትን ንክልተኣዊ ተረባሕነት ዝሰርሑሉ ኩነታትን ኣማራፂ ኢንቨስትመንትን ኣልዒሎም፡፡

ኣይ.ሲ.ቲ ንዝላቒ ልምዓት ሓጋዚ ከምዝኾነ ብምልዓል ማሕበራዊ ፅዕንትኡ ክብ ንምባል ሓበራዊ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተዛቲዮም።

ፕሮጀክታት ኣይ.ሲ.ቲ. ዲጂታላይዜሽን ንምሕጋዝን ኣብ “ክላውድ ማይግሬሽንን” ስግግር ፍልጠት ንምግባር ብምትሕብባር ክሰርሑ ኣብ ዝከኣሉሉ ጉዳይ  ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.