Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ልዕልና ኣብ ዘኽበረ ርክብ ዲፕሎማሲ ኣሰሮም ከንብሩ ይግባእ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕድሕድ ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ልዕልና ኣብ ዘኽበረ ርክብ ዲፕሎማሲ ኣሰሮም ከንብሩ ከምዝግባእ ሙሁራን ኣመልኪቶም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ጀማል ሰይድን ይመር ኣሊን፥ ፍልፍል ጥንካረ ዲፕሎማሲ ወፃኢ ዝቕዳሕ ካብ ጥንኩር ሓድነት ውሽጢ ሃገር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነዚ ድማ መንግስቲ ምክብባር ዜጋታት ዝቕድመላ ንኹሉ ዝተመቸወትን ዝተረጋገዐትን ሃገር ካብ ምፍጣር ትፅቢት ዝግበረሉ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ንዓመታት ዝተሸገሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝፍጠሩ ጎንፂት መፍትሒ ከምፅእ ኢዩ ተባሂሉ ተስፋ ዝተነበረሉ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን እውን ብቅድሚት ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ክበፅሑ ከምዝግባእ እቶም ሙሁራን ኣመልኪቶም፡፡

ርክባት ዲፕሎማሲ ንምምሕያሽ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ፍሕፍሕ ካብ ምፍታሕ ብዝዘለለ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ብምውዳብ ምጥቃም ከምዝግባእ እቶም ሙሁራን ሓቢሮም፡፡

ብሰብለ ኣክሊሉ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.