Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ንወፍሪ ክተት ዝሃቡዎ መልሲ ንፀላኢ ተስፋ ዘቑረፀ ኢዩ – ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ንወፍሪ ክተት ዝሃቡዎ መልሲ ንፀላኢ ተስፋ ዘቑረፀ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ደሲሳ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኢትዮጵያውያን ንወፍሪ ክተት ዝሃቡዎ መልሲ እኩይ ዕላማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕልሚ ኮይኑ ንኽተርፍ ዝገብር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ብምርዳእ መንእሰይ ካብ መላእ ክፋል እታ ሃገር ናብ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊታትን እናተፀምበረ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብሪሆም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምጥንኻር ድማ ኣብዚ ሰሙን ካብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣቢሉ ብዙሓት ሓገዛት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንወፍሪ ክተት ዝሃቡዎ ወፍሪን ንናይ ወፃኢ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶን ኢድ ኣታውነትን ንምምካት ዘርአዩዎ ቆራፅነት ንፀላኢ ተስፋ ዘቑረፀ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ህዝቢ ንዝገበሮ ኩለመዳይ ተሳትፎ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኢትዮጵያውያን ንወፍሪ ክተት መልሲ ብመሃብ ሕልሚ ፀላኢ ከምክኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.