Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስዊድን ስቶክሆልም  ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስዊድን ስቶክሆልም  ብክልቲኡ ፆታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም።

ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ኣሸናፊ ሞገስ፣ ኣትሌት ደራራ ሁሬሳ፣ ኣትሌት ፀጋዬ መኮንን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ሲፋን መላኩ፣ ኣትሌት ሶሮሜ ነጋሽ ከምኡውን ኣትሌት የኔነሽ ዲንቄሳ ብተመሳሳሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዝዛዘማ ኣትሌታት ኢየን።

ኣብ ስፔን ኣልባሴቴ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ካሳነሽ ባዜ ተዓዋቲት ኮይና።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኔልሰን ማንዴላ ኣትሌት በቀለች ወሬዮ ሳልሳይ ወፂኣ።

 

ኣትሌት ሰላም ገብረን ኣትሌት ትእግስት ኣያሌውን ብቕደም ሰዓብ ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ምሓዘን ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.