Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ዘለዉ ዘይምርድዳኣትን ምጉታት ዘተን ብዝምልከት ኣኼባ ንኽካየድ ሓሳብ ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ዘለዉ ዘይምርድዳኣትን ምጉታት ዘተን ብዝምልከት ኣኼባ ንኽካየድ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ንዝፀሓፍዎ ደብዳበ ምላሽ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ እውን ንኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ሺሴኬዲ ምስቲ ግድብ ብዝተተሓሓዘ ዘለዉ ምጉታታት ኣኼባ ንኽካየድ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ክሳብ ሐዚ ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዘይተዓወተ ምሕሳብ ኣግባብ ከምዘይኮነ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ነዚ ድማ እድቶም ዝተኻየዱ
ምፍራም ስምምዓት መርህታትን ብሔራዊ ገለልተኛ ጉጅለ ምርምር ሳይንስ ምጥያሽ ብእወንታ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዝግበሩ ድርድራት ሕጋዊን ቴክኒካዊን ዕንቅፋታት ንኹሉ ተዓዋታይ ኣብ ዝገብሩ ስምምዓት ንምብፃሕ ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
እንዲሁም የአፍሪካ ህብረት ለዘጠኝ ጊዜያት ያህል መስተጓጎል የገጠመው የሦስትዮሹ ድርድር ዕውን እንዲሆን የሚያደርገውን ጥረት አበረታተዋል፡፡
ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ኣስታት 9 ግዜ ምትእጉጓል ሰለስቲኣዊ ድርድር ዘጋጠሞ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ድርድር ዕላዊ ንክኸውን ንዝገብሮ ፃዕሪ ኣተባቢዑ ኢዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ዝግበር ሰለስቲኣዊ ድርድር ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንክቕፅል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎም ኣብቲ ደብዳበ ገሊፆም ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ሓቢሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.