Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራ ታሪኽ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ምምራቕኩም ተደራቢ ሓላፍነት ንኽህልወኩም ጉሩ ኢየ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንመበል 72 ግዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም  ልዕሊ 6 ሺሕ ተምሃሩኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፓርክ ወዳጅነት ኣመሪቑ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣካቢት ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲን ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ንተመረቕቲ ተምሃሮ፣ ስድራ ተመረቕቲ፣ ንመምህራንን ሰራሕተኛታትን እቲ ዩኒቨርሲቲ እንኳዕ ደስ በለኩን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ መልክእኽተን፥ ተመረቕቲ ኢትዮጵያ ኩለመዳይ ሓገዝን ሰናይ ኣስተዋፅኦን ደቃ ኣብ ትደልየሉ እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ዝተመረቑ ብምዃኖም ተደራቢ ሓላፍነት ክህልዎም ከምዝገበረ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ስራሕን መገዲ ህይወትን ተረባሕነት ህዝቢን ምምሕያሽ ናብራን ሃገሮም ኣብ ምርግጋፅ በርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ዝመፅእ እዋን ብስሩዕ ትምህርቲ ዘኻዕበቱዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ዝልውጡሉ ምዕራፍ ንኽኸውን ዘለወን ትምኒት ምግላፀን ካብ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.