Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዘለዋ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዘለዋ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ኣለዋ ኢሎም።

ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ከምኡውን ምትእስሳር ልምዓት ፅኑዕ መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ሶማሊያ ዘላቒ ሰላም ንክህሊ ደገፍን ሓገዝን ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ዝዘለቐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሶማሊያ ሰለማዊ ምርጫን ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዘካየደቶ ሽግግር ስልጣንን ኢትዮጵያ ትንእድ ኢሎም።

ከይዲ ሰለማዊ ምርጫ ሶማሊያ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ፅቡቕ ተመክሮ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዘለዋ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.