Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ዘለዉዋ መስሕባት ቱሪዝም ዝመጣጠን ኣታዊ ንኽትረክብ እናሰርሐ ምዃኑ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ዘለዉዋ መስሕባት ቱሪዝም ዝመጣጠን ኣታዊ ንኽትረክብ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣይተ ስለሺ ግርማ ምስ ፋና ብሮድካሰቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዉዋ መስሕባት ቱሪዝም ዝመጣጠን ኣታዊ ክትረክብ ንምግባር እናተሰርሕ ምዃኑ ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ዓውዲ ብዘጋጠመ ሕፅረት ገንዘብ ምኽንያት ንናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ከኽብዶ ከምዝኸኣለ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዑደተኛታት ክትስሕብ ከምዘይከኣለት እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ስራሕቲ ምፍላጥን ዕዳጋን ዘይምስርሑ፣ ፀገም ህንፀት ጥንኩራት ትካላት፣ ነቲ ዓውዲ ፍሉይ ጠመተ ዘይምሃብ፣ መስሕብ ቱሪዝም ኣብ ዝርከበሎም ከባቢታት ደረጅኡ ዘሓለወ መሰረተ ልምዓት ዘይምምላእ፣ ከምኡ እውን በቢእዋኑ ዝረኣዩ ስግኣታት ሰላምን ድሕንነትን እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ገሊፆም።

ብፍላይ ነቲ ዓውዲ ዝተመደበ ትሑት መጠን ገንዘብ፥ መስሕባት ቱሪዝም ንምፍላጥ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ኣይተ ስለሺ ተዛሪቦም።

ካልኦት ሃገራት ኣፍካ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ፍሉይ ጠመተ ሂቦም ስለዝተንቀሳቐሱ ካብ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ኣታዊ ከምዝረኽቡ እውን ሓቢሮም።

ትካል ቱሪዝም ኢትዮጵያ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ኣብ ምውሳኽ ፍሰት ቱሪዝም ኣደድሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.