Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ጀርመንን ፈረንሳይን ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ምስ ጀርመንን ፈረንሳይን ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣጠናኺሩ ከምዝሰርሕ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ንኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፋን ኣውርን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣይተ ኣደም ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ምስ ጀርመንን ፈረንሳይን ዘበናት ዝተሳገረ ምሕዝነት ከምዘለዋ ዝሓበሩ እንትኾኑ÷ “እዚ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንኽሰጋገር ፓርቲ ብልፅግና ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ መምርሒ ዝተመሰረተን ሽቶ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝገበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምምስራት ዕላማ ዝገበረ ፓርቲ ብልፅግና፤ በዚ መምርሒ ብምምስራት ምስ ጀርመንን ፈረንሳይ ዘሎ ምሕዝነት ንምጥንኻ ብትኹት ከምዝንቀሳቐስ ኣብሪሆም።

ብታሪኽ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዝተዓጀበ ርክብ÷ ኢትዮጵያ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝሃነፀቶ ርክብ ናብ ዝሐሸ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንኸዓቢ ኢትዮጵያ ድሌት ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደራት ብግደኦም÷ ኣብ ልምዓት፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምኡ እውን ኣብ ስግግር ፍትሒን መካተቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክርን ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.