Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ነፋልጥ ብዝብል ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ነፋልጥ ብዝብል ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ፥ ካብ 21 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ክሳብ 14 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ቱሪዝም፣ ዝተፈላለዩ ውዕሊታትን ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ግንዛበ ብመሃብ ብብርኪ ዓለም ዝርከቡ ዳያስፖራታትን ኤምባሲታትን ብምንቅስቓስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኣምባሳደር ተፈሪ መለስ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ወፍሪ ዘሎ ሃፍቲ ብዝበለፀ ብምፍላጥ ተበፃሕነቶም ብምስፋሕ ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ ብምውሳኽ ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ምድንፋዕ ልዑል ግደ ኣለዎ።

ምስሊ እዛ ሃገር ብዝበለፀ ንምህናፅን ድሕሪ ኮቪድ-19 ብዙሓት ናይ ወፃኢ በፃሕቲ ንምስሓብ ከምዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.