Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብ ሰላም ንምምላስ እናተቓለሱ ከምዝኾኑ ዘመትቲ ግንባር ጋሻና ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ዝፈፀሞ ወረራ ብዝበፅሖ ልዑል ክሳራ ዋላ ይባረር እምበር ሜልኡ ቀይሩ ናብቲ ዞባ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣይሳኸዐሉን ክብሉ ኣብ ግምባር ጋሸና ዝርከቡ ዘመትቲ ተዛሪቦም፡፡

ህወሓት ኣብዚ ሰሙን ናብ መስመር ጋይንት ንምእታው ዝገበሮ ፈተነ ብመጥቃዕቲ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ምልሻን ህዝባዊ ሰራዊትን  ፈሺሉ እዩ፡፡

ህዝቢ እቲ ዞባ ፃውዒት ክተት ተቐቢሉ ኣብ መዋሰኒ ዞባ ሰሜን ወሎ ከይተረፈ እናተቓለሰ ከምዝርከብ ኣማሓዳሪ ወረዳ ጋይንት ኣይተ ኣጣናው ደሳለኝ ገሊፆም፡፡

ኩሎም ወረዳታት ዞባ ደቡብ ጎንደርን ምምሕዳር ከተማታን ካብ ምቕራብ ምግቢ ብተወሳኺ ናብ ግምባር ክሳብ ምኻድ ኣበርክቶ እናገበሩ ምዃኖም እውን ተዛሪቦም፡፡

እኩይ ተግባር  እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምምካት ንሱ ብዝተሰለፈሉ መጠን ምንቅስቓስ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብልዑል ኣመራርሓ ዝተትሓዙ ከባብታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን  ናፃ ኣውፂእኻ ህዝብን ሃገርን ናብ ሰላም ምምላስ ከምዝግባእ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.