Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ንኽትፅምበር ቻይና ዝገበረቶ ሓገዝ ጥንኩር ምሕዝነት እተን ሃገራት ዘርኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ስራሕ ግዘኦም ዝዛዘሙ ኣምብሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዡዩኣን ነናብ ሃሮም ተመሊሶም፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦተ ኣመራርሓን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ኣፋኒዮምዎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም እዋን ስራሕ ዕዉት ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዣኦ ዡዩኣን÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር 50 ዓመታት ካብ ምስጋሩ ሓሊፉ ናብ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ከምዝዓበየ እውን ፀሪሖም።

ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ስራሕ ፃንሒቶም ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገነኑ ዝነበሩ ዝፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ንፍፃመ ከምዝበቕዑ ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ንኽትፅምበር ቻይና ዝገበረቶ ሓገዝ ጥንኩር ምሕዝነት እተን ሃገራት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ምፍናው ተገሊፁ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.