Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ትሰርሕ ኣላ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ስራሕቲ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ  ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣብ ኤክስፖ ስትራይድ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ዘለዎ ከይዲ ፈተናታትን ቀፀልቲ ትልሚታትን ዝዝቲ መድረኽ ተሳሊጡ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ቴክኖሎጂ ንልምዓት ሃገር ዘመፅኦ ረብሓን ኣጀንዳ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂን” ብዝብል ርእሲ መበገሲ ዘተ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት መንግስቲ ዘሎ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ንምምዕርራይ ቴክኖሎጂ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ማሕበራዊ ተሳትፎን ዕድል ስራሕን ንምፍጣር እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.