Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ናይ ነፃነት ምልክት ኮይና ንክትቅፅል ብሓባር ንረባረብ-ም/ቀ/ሚ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነንኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ናይ ነፃነት ምልከት ኮይና ንክትቅፅል ብሓባር ንረባረብ ክብሉ ገሊፆም።

ንበዓል ሕብረት ኣፍሪካ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ መዓልቲ ኣፍሪካ በቢዓመቱ እንትዝከር ኢትዮጵያ ነፃነታን ክብራን ሓሊያ ምዝላቓ ብብርኪ ኣፍሪካ ድሙቕ ታሪኻዊ ትርጉም ዝህልዎ ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ 125 ዓመታት ብወራሪ ሓይሊ ሃገርና ብባዕዳዊ ግዝኣት ናይ ምሕዳር ቀቢፀ ተስፋ ስዒቡ ጀጋኑና ብዝገበርዎ ዘኹርዕ ተጋድሎ ሰብ ዋና ዓወት ዓድዋ ናይ ምዃን ዘለኣለማዊ ዕድል ሓፊስና ኢና ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ናይ ነፃነት ምልከት ኮይና ንክትቅፅል ብሓባር ንረባረብ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርና እናኣመቱ ኣብ ልዕሊ ሉእላውነትና ዝገብርዎ ድፍረት ዝሓዘ ፅዕንቶ ከምዘይንምብርከኽ በግልፂ ክፍለጥ ኣለዎ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.