Fana: At a Speed of Life!

“ኢትዮጵያ ንምድሓን መካተቲ ብሄራዊ ምኽክር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኢትዮጵያ ንምድሓን መካተቲ ብሄራዊ ምኽክር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲን ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ኣይ ኤስ ኤስን ብሓር ዘሰናድኡዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዕዉት ሃገራዊ ምኽክር ንምክያድ ኣድላይነትን ቅድመ ኩነትን፣ ብሄራዊ ምኽክር ኣብምክያድ ዘለዉ ዓለም ለኸ ተሞክሮታትን ታሪኻዊ ልምዲታትን፣ ሃገራዊ ምኽክር ንምክያሰድ ዓቕሚ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሓሳባትን ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒትር ዲኤታ ሰላም ዶክተር ስዩም መስፍን፥ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማት ብብሄራዊ ምኽክር ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቲ ነቲ ከይዲ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾ ገሊጾም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ እውን ንከይዲ ሃገራዊ ምኽኽክር ይጥቅም ዝበሉዎም ሓሳባት ኣልዒሎም ከምዝተዛተዩ ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.