Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ን122 ሃገራት ኣገልግሎት “Visa on arrival” ትህብ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ን122 ሃገራት ኣገልግሎት “Visa on arrival” ትህብ ከምዘላ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ገሊፁ።

እዚ ዓይነት ቪዛ፥ ሓደ ዜጋ ኣብ ዝኸደላ/ዝኣትዋ ሃገር ንዝህልዎ ሓፂር ፃንሒት ዝወሃቦ እንትኸውን፥ እቲ ቪዛ ንምርካብ ዘድልይዎ ጉዳያት ኣብ ሓደ መስኮት ዝዛዝመሉ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት፥ ቅድመ ሐዚ ካብ ወፃኢ ዓዲታት ነዝመፅኡ ዜጋታት ኣገልግሎት ቱሪስት ቪዛ ብኦንላይን ዝወሃበሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዓፀወ ገሊፀን።

ይኹን እንበር እቲ ስርዓት ብዙሕ ግዘ ዝወስድን ዓማዊል ቅርታታት በምቕራቦምን እቲ ስርዓት ናይ ምምዕርራይ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ሓቢረን።

ስርዓት ቱሪስት ቪዛ ክሳብ ዝመዓራረ እቲ ቪዛ ኦን ኣራይቫል ተበፃሒ ንክኸውን ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ካብ 15 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ን122 ሃገራት እቲ ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.