Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ቻይና መልእኽቲ ታሕጓስ ኣመሓላሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ብምዃና ቻይና መልእኽቲ ታሕጓስ ኣመሓላሊፋ።

ጉባኤ ብሪክስ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብምቕባል ምፅዳቑ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ንሃገርና ታሪኻዊ እዋን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ፥ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን እንትኾና፥ ሕቶ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት መርሚርካ ንምውሳን ዓሊመን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጉባኤ የካይዳ ኣለዋ።

ነቲ ኣኼባ እተአንግድ ዘላ ደቡብ ኣፍሪካ፥ ልዕሊ 40 ሃገራት ኣባል ናይቲ ኪዳን ክኾና ሕቶ ከምዘቕረባ ኣፍሊጣ።

ብመሰረት እዚ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፥ ኣርጀንቲና፣ ግብፂ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ኢሚሬትስ ሕቡራት ዓረብን ብኣባልነት ተቐቢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.