Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ትገብሮ ድርድር ከምብሓዱሽ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ትገብሮ ድርድር ከምብሓዱሽ ምጅማራ ተገሊፁ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚን ፖሊሲን ኣይተ ማሞ ምህረቱ፥ ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ትካል ንምዃን ትገብሮ ድርድር ድሕሪ ፃንሒት ዓመታት ክትጅምር ምኽኣላ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣስፊሮም።

እቶም ኣማኻሪ፥ ኢትዮጵያ ኣባል ንምዃን ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሓገዝ እናገበሩ ንዝርከቡ ግዚያዊ ጀነራል ዳይሬክተር እቲ ትካል ሮቤርቶ ኣዜቬዶ ኣመስጊኖም።

ድርድር ንምክያድ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝተመረፁን ብኣይተ ማሞ ምህረቱ ዝምርሑን 10 ኣባላት ኮሚቴ ቅድሚ ኣዋርሕ ምምራፆም ይዝከር።

እቶም ኣባላት ኮሚቴ፥ ካብ ብሄራዊ ባንኪ፣ ብሄራዊ ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን፣ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተውፅእፅኡ ኢዮም።

ኣብ ዘፈራት ኣቕሑትን ኣገልግሎትን ዝግበሩ ስምምዓት፥ እቶም ኣባላት ኮሚቴ ተዛትዮም ክውስኑ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ስምምዓት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብግቡእ ምጥቃም እንተተኻኢሉ፥ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ለውጢ ዕዉት ንኽኸውን ልዑል ሓገዝ ክኾኑ ከምዝኸእሉ ኣይተ ምህረት ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.