Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዕብየት ክተመዝግብ ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

 ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻድሻይ፣ ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል 28  ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመር (ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ይህቡ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ትልሚ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዓውዲ ውልቀ ምንቕቃሕ ዝብል ቀዳማይ ሸትኡ ኢዩ ነይሩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘጋጠሙ ድኽመታት ምፅጋን፣ ፍሪያት መስሳንን ምዕባለ ሃገር ምቕፃልን ዝብሉ ሸቶታት ከምዝነበርዎ ተዛሪቦም።

እቲ ትልሚ ብሙሉእነት ኣብ ምትግባር ዝተፈላለዩ ፈተናታት እኳ እነተጋጠመ ነዚ ብምብዳህ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ክህልዎ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ትካል ገንዘብ ዓለም፥ ዕብየት ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 6 ነጥቢ 4 ከምዝተረጋገፀ፣ ሎሚ ዘበን  6 ነጥቢ 1 ከምዝዓቢ፣ ቀፃሊ ዓመት ድማ 6 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዝረጋገፅ ምትንባዩ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ዕብየት ኣብ ምርግጋፅ ብቐዳምነት እትግለፅ ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕብየት የምፅኣ ካብ መንጎ ዘለዋ ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ሎሚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዕብየት ክረጋገፅ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ብመንግስቲ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ግብርና ልዑል ምዕባለ ይምዝገብ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ንዕብየት ኢኮኖሚ 33 ሚኢታዊ ብፅሒት ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ዓውዲ ሎሚ ዘበን 6 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዕብየት ከረጋግፅ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ እውን ኢሎም።

ካብ ድሕሪ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሸቶታት ካልኣይ ምዕራፍ ምምሕያሽ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ፥  ስብራታት ኢኮኖሚ ምፅጋንን ምቕናስ ልቓሕን፣ ዕብየት ምቕፃል፣ ንህዝቢ ዝተኣተወ ቃል ምዕዋት ዝብሉ ኢዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ስለዝኾነ ካልኣይ ምዕራፍ ትልሚ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ኣብ ዝግበረሉ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘጋጠሙ ክፍተታት ብምፍታሕ ሐዚ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ምቕፃልን ዝሓሸ ዕብየት ንምርግጋፅን ሸቶታት ከምዝተትሓዙ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.