Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 73 መድረኽ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣህጉር ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 73 መድረኽ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣህጉር ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ልዕሊ 20 ኣብ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጥዕና ልዝብ ከምዝግበር ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ጥዕና ማሕበረሰብ ኣፍሪካን እዋናዊን ቐፀልቲ ስትራቴጂክ ጉዳያትን ምስ ጥዕና ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎም ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብቲ መድረኽ ዳህሳስ ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣርባዕተ መፍትሒ ሓሳባት ዝሓዙ ሰነዳት ቀሪቦም ብኣባል ሃገራት ከምዝፀድቁ ትፅቢት ይግበር።

ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ መግለፂታት ተቕርብ እንትትከውን÷ እቲ ልኡኽ ኣብ ጎድናዊ መድረኽ ከምዝሳተፍ እውን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.