Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ከይትጥቀም ዝበፅሓ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ምምላእ ማይ ብምስላጥ ዓቢዪ ገድሊ ፈፂማ ኣላ – ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ከይትጥቀም ዝበፅሓ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ምምላእ ማይ ብምስላጥ ዓቢዪ ገድሊ ከምዝተፈፀመ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ምስ ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝነበሮም እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ጥበብ ብዝተመልኦ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ብሓባር ጠጠው ብምባል ምምላእ ማይ ምስላጡ ዓቢዪ ዓወት ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ድፍኢት ባዕዳዊ መግዛእቲ ክሳብ ናይ ካይሮ ሰባት ተፈጠሮኣዊ መሰላ ክሳብ ምሕዳግ ዝበፅሐ በደለ ይበፀሓ ከምዝነበረ እውን ኣፍሊጦም።

ኣይተ ሃይለማርያም ምስ እዚ ተተሓሒዙ፥ “ግድብ ህዳሰ ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርኪ እንትሓስብ ብዛዕባ ሰለስተ ጉዳያት ዝስመዓኒ ስምዒት ኣለ” ኢሎም።

ሕዚ ብህይወት ምስዘየለዉ ነበር ፕሬዚዳንት ግብፂ መሓመድ ሙርሲ ንበይኖም ተራኺቦም ዝበሉዎም ነገርን ብምዝካር ሙርሲ ሎሚ ብህይወት ፀኒሖም ኩነታት እቲ ግድብ ንኽሪሪኡ ድሌት ከምዝነበሮም ገሊፆም።

መሓመድ ሙርሲ እንትዝከሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወፍሪ ኲናት ንምእዋጅ ዝተለቐቐ ቪዲዮ ዝዝከር ኢዩ ዝበሉ እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ቪዲዮ ድሕሪ ምስኦም ምርኻቦም ዝተለቐቐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምስ ናይ ሕዚ ፕሬዚዳንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ተተሓሒዙ እውን ኣጀማምረኦም ቅንዕና ዘለዎም ይምሰሉ እምበር ዝተለበደ ቅዋም ግብፂ ክቕፅል ዝገበሩኢዮም ኢሎም።

ይኹን እምበር ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ብቕንዕናን ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዝሕሉ መገዲ ስለዝሓዘቶ ተዓዋቲት ክትከውን ከምዝገበራ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በሪ ፍትሒ ተኸፊቱ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ሃይለማርያም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ከይትጥቀም ዝበፅሓ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ምምላእ ማይ ብምስላጥ ብሓባር ዓቢዪ ገድሊ ከምዝተፈፀመ ኣብሪሆም።

ኣይተ ሃለማርያም ደሳለኝ እቲ ብሄራዊ ፕሮጀክት ብቅብብል ትውልዲ ኣብዚ ንኽበፅሕ ንዝገበሩ መራሕቲ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ንምጅማር ህንፀት እቲ ግድብ ዓቢዪ ግደ ዘለዎም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ብዝምልከት ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ነቲ ጉዳይ ብጥበብ ሒዞምዎ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ውፃእ ውረድ ዋላ ይኹን እምበር ልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሕዚ ንዝተበፅሐ ውፅት ሓይሊ ከምዝኾኖ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝዛዘም ጥንኩር ተሳትፎ ህዝቢ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ብሃይለየሱስ መኮንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.