Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ኮሚቴ ምኽባር ሕጊ ትካል ጉምሩኻት ዓለም ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 43 ኣኼባ ኮሚቴ ምኽባር ሕጊ ትካል ጉምሩኻት ዓለም ትሳተፍ ኣላ።

ንኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጂየም ብራስልስ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ኣኼባ፥ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ሙሉጌታ በየነ ንኢትዮጵያ ብምውካል እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1983 ዝተጣየሸ ኮሚቴ ምኽባር ሕጊ ትካል ጉምሩኻት ዓለም፥ ኣብዚ ዓመት ዝተመስረተሉ መበል 40 ዓመት ብዝተፈላለዩ ፍፃመታ ከኽብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዶብ ተሳጋሪ ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮባንድን ንምንካይ ከምኡ እውን ንምክልኻል ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ምኽክር ከምዝገብር ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.