Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሲቪል ኣቪየሽን ኣብዚ ቀጠና ሓገዝ ንምግባር ዘኽእላ ስምምዕነት ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሲቪል ኣቪየሽኑ ኣብዚ ቀጣና ሓገዝ ንምግባር ዘኽእላ ሓዱሽ መተግበሪ ስምምዕነት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ፈፂማ።

ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕነት በፂሓ ዘላ÷ እቲ ትካል ብመሰረት ዘቐመጦም መምርሒታትን ደረጃን ሓገዝ ኣተገባብራ ንምግባር ኢ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት÷ ዘፈር ኣቪየሽን እቲ ቀጠና ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ ዘተኣማምንን ዘላቒ ልምዓትን  ንኸመዝግብ ወሳኒ ምምሕዳራዊ ግድ ክትፃወት ኢያ ተባሂሉ፡፡

እቲ ስምምዕነት÷ ምስ ምብራቕን ደቡብ ኣፍሪካ ዞባዊ ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ብምትሕብባ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዝካየዱ ፕሮጀክታት ብሓባር ንምስላጥ ወሳኒ መገዲ ዝኸፍት ከምዝኾነ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

ዋና ፀሓፊ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪየሽን ሁዋን ካርሎስ ሳላዛርን በዓል ዋና ዳይሬክተር መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ጌታቸው መንግስቴን ነቲ ስምምዕነት ፈራሪሞምዎ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.