Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር እናርአየቶ ትርከብ ዕዙዝ ውፅኢትን ዝላን ተጠናኺ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር እናርአየቶ ትርከብ ዕዙዝ ውፅኢትን ዝላን ተጠናኺ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ዕዙዝ ውፅኢትን ዝላን እናርአየት ከምትርከብን እዚ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሆም።

እቲ መገዲ ኣየር መርአዪ ብራኸ ሃገርን መግለፂ መህነፂ ምስሊ ከቕፅሉ ዝኽእሉ ሓደሽቲን ዘበናዊ ኣሰራርሓታትነ ሕዚ እውን ተግባራዊ እናተተገበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዘበናት ኩርዓት ሃገርን ምልክት ኢትዮጵያውያንን ካብ ምዃን ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም ለኸ ኣቪዬሽን መሪሕ ትካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ድማ ሽምን ዝናን እቲ መገዲ ኣየር ሓሊዩ ዕዉትነቱ ንኽቕፅል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው÷ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት መገደኛታት ኣብ ምጉዕዓዝ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 29 ሚኢታዊ፣ ብኣታዊ 14 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ብትርፊ 22 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝገበ ፀሪሖም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 145 ኣውሮፕላናት ግልጋሎት እናሃባ ከምዝኾና ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ዕድጊት ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ትእዛዝ ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.