Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ከመዝግባ ትፅቢት ካብ ዝግበረለን ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2024 ክሳብ 2029 ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ትፅቢት ካብ ዝግበረለን ሃገራት ዓለም ሓንቲ ከምዝኾነት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ገሊፁ፡፡

ኣብ ሃገራት ዓለም ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ዘፋልጥ ፍልፍል ሓበሬተ ቪዥዋል ካፒታሊስት ንኣይ ኤም ኤፍ ብምፅራሕ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2024 ክሳብ 2029 ቅልጡፍ ምትእስሳር ዕዳጋ ዘለወን ዝርዝር ሃገራት ዕላዊ ገይሩ፡፡

ኣብቲ ዝርዝር ጋያና፣ ሞዛምቢክ፣ ሩዋንዳን ባንግላዲሽ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዘሎ ደረጃ እንትሕዛ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተቐሰሪዓ ትርከብ፡፡

ኒጀር፣ ኡጋንዳ፣ ህንዲ፣ ቬተናምን ሴኔጋልን ድማ ብቕደም ሰዓብ ክሳብ 10ይ ዘሎ ደረጃ ዝሓዛ ሃገራት ኢየን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.